ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ጸልማት

ይርጋኣለም ፍስሃ ኤርትራዊት ጋዜጠኛ: ገጣሚትን ደራሲት‘ያ። ንሽዱሽተ ዓመታት (2009-2015) ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ ኣሕሊፋቶ። በጋጣሚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ: ብዛዕባ ተባዓት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን: ምእንቲ ሓርነት ሃገረን ተቓሊሰን ከብቅዓ: ኣብ ቤት-ማእሰርቲ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ዝቕጥቀጣን ዝሳቐያን ዘለዋ: ከምኡ‘ውን ክልተ ምስኣ ተኣሲረን ዝነበራ ኣዴታት ዘቕረበቶ ጽሑፍ‘ዩ።

Foto von Yirgalem Fisseha
Teaser Bild Untertitel
Yirgalem Fisseha

ኣብ ኤርትራ ዓመት መጸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ይኽበር’ዩ። ሕግን ፍትሕን ቀቢሩ፡ ስቓይ ደቂ ኣንስትዮን ዛንታ ስድራ-ቤታትን ጎስዩ፡ ብጓይላ ውሑዳትን ኹዳ ዓመጽትን ዝበዓል መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምርኣይ ግን: ክሳብ መኣስ ኰን ይኸውን፧!

ነዚ ሎሚ ዓመት ዝኽበር ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዛዕባ’ዘን ኣብ ቤት ማእሰርቲ: ጭንቅን መከራን ዝረኣያ ደቂ ኣንስትዮን ኣደታትን ዝኽረይ ብምክፋል ክዝክር ከለኹ፡ ጓህን ሕፍረትን እስምዓኒ። ሃገርና ኰይናቶ ክንርኢ ዝነበረና ባህጊ እቲ ካልእ ጫፍ ስለ ዝዀነ።

ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ኣስታት 5 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር’ያ። ካብ 1961 ክሳብ 1991 ብረታዊ ቃልሲ ብምክያድ ካብ ጎረቤታ ሃገር ኢትዮጵያ ናጽነታ ወሲዳ።

ኣብዚ ንመሰልን ናጽነትን ዝተገብረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ድማ ሓደ-ሲሶ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ነይሩ። ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ዓለም ውሑድ መወዳድርቲ ክርከቦ ዝኽእል ከቢድ ዋጋ ብምኽፋል ኣብ ምምጻእ ናጽነት ሃገረን፡ መሰል ህዝበንን ማዕርነትን ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ከፊለን። ድሕሪ ናጽነት ድማ ትምህርቲ፡ ንቕሓት፡ ምውጋድ ድሑር ልምዲ፡ ምስዓር ኣድልዎ... ኣብ ዝኣመሰሉ ዓውዲታት ርኡይ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዓቢ ተራ ተጻዊተን።

እቲ ብቃልሲ ህዝቢ ዝመጸ መንግስቲ ግን፡ ናብ ውልቀ መላኺ ተቐይሩ። ቅዋም፡ ፍትሒ፡ ሕጊ፡ ባይቶ፡ ምርጫ፡ ተሓታትነት፡ ሰብኣዊ መሰል... ዝብሉ ኣምራት ካብታ ሃገር ጠርሾም ጠፊኦም። ደቂ ኣንስትዮ እዛ ሃገር ድማ ከም ኩሎም ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ወዲቐን።

ምእንቲ ናጽነት ሃገረንን መሰለንን ዝተቓለሳ ሓያሎ ተጋደልቲ ንልዕሊ 18 ዓመታት ኣበይ ከም ዘለዋ ኣይፍለጥን። ነብሰ-ጾራት፡ ኣደ-ቆልዑ፡ ሽማግለታት፡ ትሕቲ-ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐያ’ለዋ። ኣሽሓት ካብ ስቓይን ግዱድ ዕስክርናን ከምልጣ ኣብ ፈቐዶ መዓስከራት ጎረባብቲ ሃገራት ይርከባ። ካልኦት ኣሽሓት ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣደዳ መጭወይቲ፡ ዓመጽ፡ ሞት ኰይነን። ነዚ ብዕድል ዝሰገራ ከኣ: ኣብ ውሑስ ቦታ ግን ምስ ከቢድ በሰላ ኣብ ስደት ይርከባ።

ካብ 2007 ክሳብ 2017 ኣብ ዝነበረ 10 ዓመታት፡ ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት (እሱር ይኹን ሓለዋ ኰይኑ)፡ ኣብታ ካብ ርእሰ-ከተማ ኤርትራ 8 ኪሎ-ሜተር ውጽእ ኢላ ትርከብ ወተሃደራዊት ቤት ማእሰርቲ ረጊጹ ዝፈልጥ ሰብ ከም ዝዝክረን ርግጸኛ’የ።

 Eritreische Politische Gefangene Frauen

ወ/ሮ በላይነሽ መስፍን

ወ/ሮ በላይነሽ እቲ ዝበዝሐ ዓመታት ማእሰርታ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 36 ዘሕለፈት ኣደ፡ ኣብ ክሊ-ዕድመ መወዳእታ 60ታት ክሳብ መ መርታ 70ታት ምንባራ እግምት። ንኽርእያ ዕድል ዝረኽበሉ ዝነበርኩ ኣብ ሰዓታት ሽንቲ’ዩ። ክልቲኤን ኣእዳዋ ብፌሮ ዝተኣስራ ነበራ። እዛ ሽማግለ ኣደ፡ ብፌሮ ተኣሲራ፡ ኣብ ሸላ ተዓጽያ እንታይ እናበለት፡ እንታይ እናገበረት ትውዕል ትኸውን ንዝብሉ ሕቶታት: እታ ሸላ ኣፍ ኣውጺኣ ትምልሰሉ ግዜ ክመጽእ’ዩ።

ክዝክራ ከለኹ ቀዲሙ ናብ ዝኽረይ ዝመጽእ ግን፡ ኣብ እዋን ሽንቲ፡ ነተን ብፌሮ ዝተጠምራ ክልተ ኣእዳዋ ኣደጋጊፋ፡ ሽንቲን ረሳሕ ማይን ተጠራቕመሉ ሪካን ተሰኪማ ንኽትጉሕፍ ተሕልፎ ዝነበረት ቃልሲ’ዩ። እቲ ምርኢት’ቲ ... ክትርስዖ ፍጹም ዝከኣል ኣይኰነን!

ብዛዕባ’ቶም ኣእዳዎም (ገሊኦም’ውን እንተላይ ኣእጋሮም) ብፌሮ ዝተኣስሩ እሱራት ምሕሳብ ዓቕለይ የጽብበለይ ነበረ። ሓደ መዓልቲ፡ ካብ መንጸፈይ መሸማዕ (ፈትሊ) መዚዘ ብምትታዕ ቀጢን ገመድ ሰራሕኩ። ተጻጊመ ክልቲኤን ኣእዳወይ ኣሰርክወን። ንኩሉ እቲ መዓልታዊ ኣብ ሸላን ኣብ እዋን ሽንትን ዘይተርፍ ንጥፈታት እሱራት በብሓደ ፈተንክዎ። ንሰዓታት ክቕጽል’ኳ ከበደኒ። መተንፈሲ ኩሉ ስምዒታተይ ድማ ንብዓት ነበረ።

ወ/ሮ ስላስ ነጋሽ

ወ/ሮ ስላስ ነጋሽ ዝጠቡ ህጻን ዝርከቦም ኣርባዕተ ቈልዑ ገዲፋ ምስ ሓዋን በዓል ቤታን ዝተኣስረት ኣደ’ያ። ንስላስ ቀሪበ ክረኽባ ዝኸኣልኩ ኣብ ሕክምና’ዩ። ሓንቲ ካብቶም ዓመታት ናብ ቅድስቲ-ማርያም ሆስፒታል (እታ እንኮ ኣብ ኤርትራ ትርከብ ሆስፒታል ኣእምሮ) ዝተመላለሱ እሱራት ማይ-ስርዋ’ያ። እናክርእያን ክረኽባን እቶም ዘይፈልጦም ኣርባዕተ ደቃ ይስኣሉኒ ነበሩ። ንዕኦም ጠቒሰ ከየዘክራ ክጥንቀቕ ክብል ከኣ: ብዛዕባኦም ካብ ምሕሳብ ቦዂረ ኣይፈልጥን። ስላስ ግና ዝያዳ ብዛዕባ እቲ ምስኣ ምስተኣስረ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ደሃዩ ዝተሰወረ ሓዋ’ያ ትሓስብ ነይራ። “እዚ ሓወይሲ ...” ትብል ኣብቲ ጸላም ኰይና ብዛዕባ’ቲ ዝተሰወረ ሓዋ!

ኣብ ቀጽሪ ቅድስቲ-ማርያም ሆስፒታል ብወተሃደራት ተኸቢብና ኰፍ ኢልና ከለና: ኩነታት ጥዕንኣን ናብራ ሸላን ኣልዒለ ሓቲተያ። ኣይመለሰትለይን። ኣቓልቦኣ እቶም ካብ ካልኦት ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝመጹ እሱራትን ዋርድያታቶምን ወሲደሞ ነይሮም።

“ስላስ!” ተዳህየያ። “ከመይ ትዀኒ ኣለኺ: ክብለኪ ጸኒሐ” ድምጸይ ኣበርኽ ኣቢለዮ።

“እውይ ዘይሰማዕኩኺ! ናብዞም እሱራት’ንድየ ዝርኢ ዘለኹ። ሓወይ’ንድዩ ድሃዩ ጠፊኡኒ።” ኣዒንታን ግንባራን’ውን ይዛረቡ ነይሮም።

ደጊምና ሓያሎ ግዜ ተራኺብና። ምስ ስላስ ምዕላል ግን ከቢድ’ዩ። ኩሎም ኣርእስታት ቁስሊ’ዮም። ውሽጣን ደጊኣን’ውን ቁስሊ’ዩ።

2017 እሱር ንምብጻሕ ዓዲ ኣበይቶ ከይደ። ሰዓት ክሳብ ዝኣክል በጻሕቲ ተሰሪዕና ነበርና። ኣብ ጥቓይ ምስ ዝነበረት ወግዒ ሚርና። ኣብ መንጎ ዕላል፡ ገዛውታ ስለ ዝሓበረትኒ ብዛዕባ’ዛ ህጻናት ራሕሪሓ ዝተጨውየት ስድራ ተወኪሰያ።

“እወ እፈልጦም። ተኣሲሮም ዘለዉ።” መሊሳትለይ።

“እቲ ጡብ ከይገደፈ፡ ኣዲኡ ዝተኣስረት ህጻን: ከመይ ኣሎ፧” ካብተን ወትሩ ዝመላለሳኒ ዝነበራ ሕቶታት’ያ።
“እቶም ኣቐዲመ ክዛረቦም ዝጸናሕኩ ክልተ ቆልዑ ርኢኽዮምዶ፧ እቲ ሓደ ንሱ’ዩ። መግቢ ከብጽሕ መጺኡ” ‘ናኣመልከተት።

“እቲ ወለዱ ክእሰሩ ከለዉ ዝጠቡ ዝነበረ ህጻን፡ መግቢ እሱራት ወለዱ ከብጽሕ መጺኡ ...፧!” ነቲ ሽዑ ዝተሰምዓኒ፡ ሕጂ ብቃላት ከስፍሮ፣ ብልክዕ ዝገልጸለይ ቃል ኣይረኸብኩን።

ግንቦት 2017 ወ/ሮ በላይነሽ፡ ወ/ሮ ስላስ ምስ በዓል ቤታን ካልኦትን ኣብ 10 ዓመት ማእሰርቶም ካብ ሸላታት ማይ-ስርዋ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ተለቒቖም።

“እዚ ሓወይ’ሲ ...” ትብል ሻቕሎት ስላስ ግን ገና ክሳብ ሕጂ ኣብ ቦታኣ’ላ። ሓዋ ኣበይ ከም ዝኣተወ ኣይተፈልጠን።

8 መጋቢት 2020