ዘይውዳእ ስቓይ

መተዓብይተይን ጽቡቕ ቅርበት ዝነበረናን ሰብ’ዩ። ካብ ኤርትራ ክወጽእ ከለኹ (2018) ኣብ ቤት ማእሰርቲ’ዩ ነይሩ። ምስ ተለቐቐ ካብ ሃገሩ ወጺኡ። ድሕሪ ክንደይ ዓቕልን ተጸዋርነትን ዝሓተተ ጉዕዞ ድማ ኤውሮጳ ኣትዩ። መሊሱ ብኣዝዩ ሓደገኛ መገዲ ናብ እንግሊዝ ቀጺሉ። ይኹን’ምበር፡

Wall with the tag "no one is illegal"

መተዓብይተይን ጽቡቕ ቅርበት ዝነበረናን ሰብ’ዩ። ካብ ኤርትራ ክወጽእ ከለኹ (2018) ኣብ ቤት ማእሰርቲ’ዩ ነይሩ። ምስ ተለቐቐ ካብ ሃገሩ ወጺኡ። ድሕሪ ክንደይ ዓቕልን ተጸዋርነትን ዝሓተተ ጉዕዞ ድማ ኤውሮጳ ኣትዩ። መሊሱ ብኣዝዩ ሓደገኛ መገዲ ናብ እንግሊዝ ቀጺሉ። ይኹን’ምበር፡

“ኣብታ ፈለማ እግርኻ ዝረገጽካላ ዓዲ ክትነብር ጥራይ’ዩ ዝፍቀደካ” ተባሂሉ፡ ተጠሪዙ ንኽምለስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ።

“ሕጂ ከኣ ማእሰርቲ!” ድሕሪ ሰሙናት ወጺኡ ምስ ሰማዕኩ ደዊለሉ። ነቲ ሕሉፍ ህይወቱ እናዘከርኩ ሓቲተዮ።

“ይገርም’ዩ።” ኣሕጺሩ መሊሱለይ።

“ሕጂ ደኣ እንታይ ይብሉኻ ኣለዉ፧”

“ጠበቓይ፡ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝነበርክዎ ናይ ማእሰርቲ ኩነታት፡ መሊሰ ኣብ ማእሰርቲ ንነዊሕ ግዜ ክጸንሕ እንተ ተገይሩ ኣብ ጥዕናይ ዘምጽኦ ሳዕቤን ከም ዝኸብድ ተሟጒቱለይ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ወጺኤ’ለኹ። እንታይ ከም ዝስዕብ ግን ኣይፈልጥን’የ። ‘ውሕስነት ዘይኮነስ ኣማራጺ ኢኻ ትደሊ ዘለኻ’ በሃልቲ’ዮም።”

“ናብ ዝመጻእካሉ እንተ መሊሶምኻ እንታይ ኢኻ ትህሰ፧” ሓቲተዮ። ይኹን’ምበር ናይ ብዙሓት ደቂ ሃገረይ ምርጫ ዝኾነት እንግሊዝ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ካብ ዘምርጻ ረቛሒታት ሓደ ቋንቋ ምዃኑ ብዙሓት ክጠቕስዎ ሰሚዐ’የ። እዚ ካብ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምምራቑ ንብዙሕ ዓመታት መምህር ዝነበረ፡ ደቁን ናብራኡን ሓዲጉ ዝተሰደደ’ሞ፡ ቀልጢፉ ሓላፍነት ስድራ ክስከም ዝነብሮ ሰብ፡ ዓቕሙን ዕድሚኡን ኣብ ጥቕሚ ሃገሩን ሕብረተሰቡን ከውዕሎ ዕድል ተዋሂብዎ እንተ ዝነብር፡ እቲ መኽሰብ ዕጽፊ ምኾነ። ንሱ ግና ገና ኣብ ከርተት’ዩ ዘሎ።

“ከምቲ ትፈልጥዮ ዕድመ ንእስነትና፡ ህይወትና ክንመርሕ፡ ርእስና ክንክእል ከይተፈቕደልና’ዩ ተወዲኡ። ሎሚ፡ ንዓይ ዝጽበዩ ስድራ ገዲፈ፡ ቋንቋ ንምምሃር ጥራይ ዓመታት ከሕልፍ፡ ንመረዳድኢ ጥራይ ብዝተመሃርክዎ ቋንቋ ኣብ ዝርከብ ናይ ስራሕን ትምህርትን ዕድላት ተሓጺረ ክነብር፡ ኣይደልን’የ። በቲ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ትምህርቲ ዘመነይ ዝተመሃርኩሉ ቋንቋ እንግሊዝ ትምህርተይ ክቕጽል፡ ዓቕመይ ከዕቢ ክኽእል ኢለየ ጉዕዘይ ቀጺለ። ህይወት ካብ ዜሮ ካብ ምጅማር ኣብቲ ዝነበረካ ምቕጻል ስለ ዝሓይሽ። ካብ ማእሰርቲ ወጺኤ መጺአስ፡ ናብ ማእሰርቲ… ግን ኣይተጸበኹን።”
“ጉዳይካ ከተረድእ ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት ድዩ፧”

“እታ ተገድሶም፡ እታ ኣቐዲምካ ዝረገጽካያ ሃገር ጥራይ’ያ። ናይ ሓደ ምሳይ ዘሎ ዛንታ ክነግረኪ…. ኤውሮጳ ምስ ኣተወ፡ ናብ ቤተሰቡ ክቕጽል እናደለየ ኣብ ጥልያን ብግዲ ኣሰር ኣጻብዕቲ ክህብ ተገይሩ። ግና ናብ ኖርወይ ቀጺሉ - መሊሶሞ። ናብ ሆላንድ ፈቲኑ - ሰጒጎሞ። ናብ ፈረንሳ ከይዱ - ኣይሰለጦን። ናብ በልጁም ተመሊሱ። ድሕሪኡ ናብ እንግሊዝ ተጓዒዙ። ካብ እንግሊዝ ክጥረዝ ድማ ተኣሲሩ። ኣብ’ዘን ኩለን ሃገራት ከርተት ኢሉ፡ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ እንታይ ድዩ ኢሉኒ፧ ‘ነብሰይ ከጥፍእ ድዮም ደልዮምኒ፧’”

“እሞ ንምሸቱኸ ድኣ፧ እንታይ ኢኹም ትኾንዎ፧”

“በቃ ኣብ ስንፍላል ኣለና። እንግሊዝ ጠቕሊላ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምውጽኣ ንጉዳይና፡ ንዓና ብዝጠቅም መንገዲ እንተጸለዎ ንትስፎ።”

***               ***                 ***

ኣብ መንጎ መንእሰያት ደቂ ሃገረይ ኮፍ ኢለ ነይረ። ኩሎም ክብሃል ብዝከኣል፡ ካብ ኤርትራ ወጺኦም ኤውሮጳ (ጀርመን) ክሳብ ዝበጽሑ ኣዝዩ ሓደገኛ ጉዕዞ ዝሓለፉ’ዮም። እቲ ክሰምዖ ዘስደምመኒ ጉዕዝኦም ንድልያ ሓርነትን ዕቑባ ትንፋስን፡ ተራ ዕላል ክሳብ ዝመስል ተዛንዮም የዕልሉ። ብካልእ ሸነኽ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእኽኻብ መንእሰያት፡ ዛንታ ማእሰርት፡ ግዱድን መወዳእታ ዘይብሉን “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ናይ ዝበዝሑ ተመክሮ ኰይኑ ከም ዝጸንሕ ርግጸኛ’የ። “ተኣሲረ ከለኹ….” ኢልካ ምዕላል’ውን ዳርጋ ከም ንቡር ዝተወስደ’ዩ።

ኣነ ካብ ኤርትራ ብፓስፖርት ዝወጻእኩ ብምዃነይ፡ ዕድለኛ’የ ዝቑጸር። እቲ ዘይንቡር ከም ንቡር፡ እቲ ንቡር ድማ ከም ዘይንቡር ኣብ ዝሕሰበላ ሃገረይ ፓስፖርት ምውናን መሰል ዘይኮነ ብርቂ ነገር’ዩ። ኣብ ዕድመ ሽምግልና ዘይኣተወ ዜጋ ድማ ሰለማዊ ናይ ምጋሽ (ካብ ሃገር ናይ ምውጻእ) መሰል የብሉን። ግድን እንተ ኢሉ ድማ ክሳብ ህይወት ዝሓትት ዘይውሑስ ሓደገኛ ጉዕዞ ይጽበዮ። እዚ ድማ ንመንእሰያት ኤርትራ ከም ናብ ጉስነት ወይ ናብ ቤት ትምህርቲ ምውፋር ተራ ነገር ክሳብ ዝውሰድ ልሙድ ኰይኑ። ሳሕቲ ከምዚ ናተይ ብፓስፖርት ካብ ኤርትራ ክወጽእ ዝኸኣለ ሰብ ምስ ዝርከብ ድማ ኣቓልቦ ይስሕብ።

ብዘገርም ኩነታት፡ “ተኣሲረ ከለኹ….” “ዓመታት ኣብ ውትህድርና ከለኹ….”  ብዝኣመሰሉ ዘይንቡራት ተጓንፎታት ንዝጅምር ዕላል፡ ከመይ፧ ስለምንታይ፧ ብዘይምባል ክሰምዕ ዝጸንሐ ሰብ፡ ብፓስፖርት ካብ ኤርትራ ምውጻእ፡ ብቐጥታ ናብ ውሑስ ቦታ ምስግጋር፡ ሕቶ ከየስዓበ ክሓልፎ ዘሎ ተኽእሎ ትሑት’ዩ። “ክልተ ዓመት’የ ገይረ ካብ ዝመጽእ” ዝበልክዎም እዞም ኣብ ምዝዛም 2020 ዝተላለኽዎም ኣብ መወዳእታ 2015 ጀርመን ዝኣተዉ መጻምድቲ ደቂ ሃገረይ፡ በየን፧ ብኸመይ፧ መጺኤ ንምግማት ተጸጊሞም፡ መሊሶም ሓቲቶምኒ።

“ኣይተረድኣንን። መገዲ ተዓጽዩ’ዩ ዘሎ። (መገዲ ዝብሎ ዘሎ ንሰሃራን ማእከልይ ባሕርን’ዩ) ብምጥርናፍ ስድራቤት ድማ ኣብዚ ትብልዮ ዘለኺ ዓመታት ናብ ጀርመን ክሰልጠኪ ኣይክእልን’ዩ። ፈጺሙ ኣይተረድኣንን!” ቀጺሉለይ እቲ ወዲ።
ክሳብ ክንድኡ ካብ ኣገደሶ፡ ምኽንያትን መስርሕን ኣመጻጽኣይ ክዝርዝር ጀመርኩ። ኣብታ ኣነን ንሱን ናትና ንብላን ንናፍቓን ኤርትራ፡ በቲ ንዓይን ንዕኡን ንእስነትና ዘባኸነ ስርዓት፡ ዳርጋ ከም ኩሉ ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ከኣ ከም’ቶም ብዓይኒ እቲ ስርዓት ኣስጋእቲ ዝሕሰቡ ጽሓፍትን ጋዜጠኛታትን ተጠሚተስ ን6 ዓመታት፡ ስሙይ ኣብ ዝኾነ ወተሃደራዊ ቤት ማሕዩር ተቐይደ ምንባረይ፡ ካብ ሃገረይ ንኽወጽእ ክንደይ ጥበብን መሰናኽላትን ከም ዝሓለፍኩ፡ ድሕሪ ምውጽአይ ድማ፡ ኣብ ከምዚ ኣነ ዝነጥፈሉ ዓውዲ ንዝነጥፉ’ሞ ከምዚ ናተይ ጸገም ዘጋጠሞም ሰባት ዝሕግዝ ማሕበር፡ ናይ ውሕስነት ዕድል ከም ዝፈጠረለይ ነገርክዎ።

“ሽዱሽተ ዓመት! እዋይ ሓፍተይ! ኣነስ ፈጺመ ኣይምኽኣልክዎን” በለትኒ በዓልቲ ቤቱ።

“ኣነ ከኣ ነቲ ነብሰጾር ኮንኪ ዝሓለፍክዮ ሓደገኛ ጉዕዞ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ፈጺመ ኣይምኽኣልክዎን” በልክዋ።
…ኣብቲ ንፈተና ህይወት ደቂ ሰባት ዝተዳለወ ዝመስል በዳሂን ሓደገኛን ጉዕዝኦም፡ ዘሕለፍዎን ዝረኣይዎን ስቓይ፡ መኣዝንካ ኣብ ዘይትፈልጠሉ በረኻታት ልብያ፡ ከም ጥሪት ምስ ዝቖጽሩኻን ናይ ሰብ ፍጥረት ዘለዎም ኮይኖም ዘይስምዑኻን ዕጡቓት ጨወይቲ፡ ብጥሜትን ጭንቅን፡ እሞ ድማ ነብሰጾር….

ክነግሩኒ ከለዉ፡ ኣፍራሒ ፊልም ክንዕዘብ ከለና ከም ዝህልወና ስምዒት’ዩ ነይሩኒ። እዚ ዛንታ ከመይ ኢሉ’ዩ ከም ተራ ፈጠራዊ ዛንታ ወይ ጽውጽዋይ፡ ናይ ወግዒ ቡን ዕላል ኰይኑ ዝሓልፍ፧!

“ኣብ ርእሲ’ዚ ኩሉስ ዳግማይ መጭወይትን ዓመጽን ድማ ኣለዎ፧” እናሓሰብኩ’የ ተዛሪበ።

“እወ።”

“ክሓስቦ ከለኹ ጥራይ ከቢዱኒ’ሎ። ኣብኡ እንተ ዝነብር ብጭንቀት ጥራይ ምውት ኢለ ምሓደርኩ’መስለኒ።”
ኣብ ዓደይ ንዓመታት መጭወይቲ፡ መግረፍትን ስቓይን በጺሑኒ’ውን እንተኾነ፡ ካብቲ ናታ ናተይ ይሓይሽ ኢለ ሓሰብኩ። ፍልልይና፡ ኣነ ኣብ ሃገረይ፡ ጉልባቦም ብዝቐልዑ ሰባት፡ ብባዕሎምን ዓለምን ‘መንግስቲ’ ተባሂሎም ብዝጽውዑ ጉጅለ፡ ኣብ ሰለማዊ ህይወተይ ከለኹ ብሃንደበት ዘጋጠመኒ ምዃኑ’ዩ። መተዓልልተይ ድማ ኣብ ጉዕዞ ስደታ፡ መንነቶም ብዝሓብኡ፡ ዓለም፡ ኣብ ሕጊ ክቐርቡን ብገበን ክሕተቱን ብእትደልዮም ጉጅለታት፡ እሞ ድማ ከጋጥማ ምዃኑ እናፈለጠት ዕድለይ ኢላ ኣብ ዝኣተወቶ ከቢድ ውሳነ ዘጋጠማ ምዃኑ’ዩ።

“ኣብ መገዲ ዝገደፍናዮም ንቡር ቀብሪ ዘይረኸቡ መጓዕዝትና’ውን ነይሮም’ዮም። ብዕድል ኢና ኣብዚ በጺሕና። ንሕና ተመስገን ኢና ንብል” ኣዕሪፋ። “ተመስገን” ንኽልቴና ተሰማምዓና ቃል’ያ። ክልቴና፡ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፍናዮ ሽግራት ንዝረኸብናዮ ሓርነትን ውሕስነትን ዘይረኸቡ መጓዕዝቲ ነይሮሙና’ዮም። ገሊኦም ምስ ጸበቦም ዘይርሃዎም። ገሊኦም ብቐንዳ ህይወቶም ዝተኾልፈት! ንሳቶም ድማ’ዮም መነጻጸሪ እቲ ዝሓለፍናዮ ገድልን ንነብሮ ዘለና ህይወትን። ይኹን እምበር፡ ኣባና፡ ኣብ ስነ ልቦና እዞም ሕብረ ብዙሕ ወጽዓታትን ሽግራትን ዝረኣና ሕብረተሰብ፡ እቲ ካባኻ ዝሓይሽ ገዲፍካ ካብ ናትካ ኣብ ዝኸፍእ ህይወት ዘሎ ሰብ ጥራይ ምጥማት ከም ባህሊ ከይሰርጽ የፍርሓኒ።

“ሽዑ ጥልያን ምስ ኣተኹም እንታይ ኢልኩም፧”

“ኣብኡ ኣሰር ኣጻብዕቲ ከይውሰደና ከኣ ካልእ ቃልሲ…”

“ንምንታይ፧ ካብቲ ኩሉ ሽግር ምስ ወጻእኩም ሩፍ ክትብሉ ተጸብየ ነይረ” ምናልባት ምስ ውልቃዊ ኩነታትቶም ዝተኣሳሰር ዝተፈልየ መልሲ እንተ ረኸብኩ ኢለ ደኣ’ምበር፡ እዛ ሕቶ ኣቐዲመ’ውን ምስ ገለ ሰባት ኣልዒለያ ነይረ’የ።
ቅድሚ ሕጂ (2019) ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ምስጋር ካለ ኣብ ዝተባህለት ፈረንሳዊት ደሴት ኣዋርሕ ዝገበረ መንእሰይ (ዕድመ ፈለማ 20ታት) እፈልጥ’የ። ፈለማ ናይ ውሑዳት መዓልታት ጉዕዞ ገይረ ስለ ዝሓሰብክዎ “ሰላም ጉዕዞ!” ካብ ዝብል ትምኒት ዝሓልፍ ኣቓልቦ ኣይነበረንን። ግዜ እናተመጠጠ ምስ ከደ ከኣ’የ ንኩነታትቱ ብዝዓሞቐ ደረጃ ክርዳእ ዝኸኣልኩ።

“ሎሚ’ውን ገና ኣብኡ’ለኻ፧”

“እወ ኣብኡ ኣለኹ። ናይ ሎሚ’ሞ ከኣ ግደፍዮ። ዝናብ መጺኡ ኣበሳብስ ኣቢሉና።”

“ኣብኡ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢኹም ክትጸንሑ፧” ሓቲተዮ።

“ዝፍለጥ ኣይኮነን ድሮ ኣዋርሕ ገይርና’ለና።”

“እቲ ጉዕዞኹምከ ውሑስ ድዩ፧”

“ውሑስ ዝብሃል የለን። ካብ ጉዕዞ ሰሃራ እንተ ዘይከፊኡ ኣይሓይሽን። በቃ ከም ዕድልካ’ዩ።”

“ንምንታይ ኣብዚ ክትከውን ኣይደለኻን፧ ኣብ ጀርመን ምንባርካ ሰሚዐ፧”

“እወ ኣብ ጀርመን ነይረ። ኣብ ጥልያን ኣሰር ኣጻብዕቲ ስለ ዝተወስደኒ፡ ጀርመን ነጺጋትኒ። ናብ ጥልያን ምምላስ ድማ ኣይደለኹን። ናይ ትምህርትን ስራሕን ዕድል የብሉን። ኣሎ እንተኾይኑ ድማ ኣዝዩ ጸቢብን ከቢድን ተኽእሎ’ዩ።”

****               ***                ***

እዞም ሰብ ሓዳር መተዓልልተይ እምበኣር ካብዚ ብርሑቕ ዛንታ ጉዕዞኡ ዘካፈለኒ መንእሰይ ዝተፈልየ መልሲ ኣይሃቡንን።

“ቅድሜና ካብ ዝኣተውን ደዊሎም ድሃይና ካብ ዝሓቱን ፈለጥትና ብእንረኽቦ ሓበሬታ፡ ብሰላም እንተ ኣቲና ክንዕቆበለን ንደሊ ሃገራት ሓሪና ኢና ንጸንሕ። ምኽንያቱ ገሊኤን ሃገራት፡ ካብ ግዱድ ዕስክርናን ዘይምኽኑይ ማእሰርትን ሃዲምና ስለ ዝመጻእና፡ ናይ ምንባር ሓርነት ጥራይ እኹል’ዩ ኢለን ዝሓስባ’የን። ንሕና ከኣ ንትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ምትእኽኻብ ስድራቤት…. ብዝኣመሰሉ ጉዳያት ተመረጽቲ ናብ ዝኾና ሃገራት ክንከይድ ኢና ንደሊ። ኣብ መዓስከር ስደተኛታትን ስንፍላል ህይወትን ተወሳኺ ዕድመና ከነባኽን ኣይንደልን። ተማሂርና ክንልወጥ፡ ሰሪሕና ኣብ ሽግር ንዝሓደግናዮም ስድራቤትና ክንጥውር ንደሊ… ንኸምዚታት ዘይምችኣ ዓዲታት ድማ፡ እንተ ወሓደ ቀዳሞት ምርጫታትና ኣይኮናን።” እቶም መጻምድቲ እናተመላልኡ፡ ርእይቶ ናይ ዝበዝሑ መጓዕዝቶም ምዃኑ ንዝጠቕስዎ ሓሳብ የቕርቡ። ዕድል ገይሮም ድማ ኣብ ጥልያን ኣሰር ኣጻብዕቲ ከይሃቡ ጀርመን ኣትዮም። ኣብታ፡ ኣብ ምትእኽኻብ ስድራቤት ብትኽተሎ ኣሰራርሓ ብኤርትራውያን እትምረር ጀርመን ድማ እቲ ንጎዕዞ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ኰይኑ ዝተኻፈሎ ቦኽሪ ወዶም ሓቚፎም። ደጊሞም’ውን። ዘይከምቶም፡ ኣብ ጎረባብቲ ኤርትራ ዝኾና ሃገራት ፋሕ ኢለን ዘለዋ ስድራቤታቶም ክጥርንፉ ዘይከኣሉ፡ ንዓመታት ኣብ ስንፍላልን ነውጽን ዝነብሩ ዘለዉ መማጽእቶም ድማ ዕድለኛታት’ዮም።

ብውሕዱ ነቲ ጉዳይ ንምስላጥ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኮለል ምባል፡ ለይትን ቀትርን ሰሪሕካ ክትብድሆ ዘሸግር ናይ ርሕቀት ሓዳር፡ ሻቕሎት፡ ናፍቖት… የብሎምን። ካብዚ ይድሓኑ’ምበር ካብ ካልእ ብድሆ ግን ኣየምለጡን።
“ካብ ኤምባሲ ሃገርኩም ወረቐት ኣምጽኡ ተባሂልና” ድማ ይብሉ። ብኸመይ ምኽንያት እዚ ሕቶ’ዚ ንኤርትራው’ያን ሓተትቲ ዑቕባ ቅኑዕ ኮይኑ ይርከብ ፍጹም ክርድኣኒ ኣይከኣለን። “ካብቲ ኣብ ሃገረይ ዘሎ ውልቀ መላኺ፡ ዓማጺ ስርዓት ሃዲመ ነብሰይ ከዕቁብ መጺኤ” ንዝበለ ሰብ ብኸመይ ምኽንያት’ዩ ካብ ኤምባሲኡ መሰነይታ ወረቐት ኣምጽእ ዝብል ትእዛዝ ዝወሃቦ፧!

እቲ ዝገርም፡ ብሓሳብ ካብኡ ንዝተፈልዩን ንዝቃወምዎን ዜጋታት ኩሉ መሰላቶም ዝገፍፍ “መንግስቲ ኤርትራ” ድርብ መዐቀኒ’ዩ ዘለዎ። ካብ ኢዱ ኣምሊጦም፡ ዘይክፈል ከፊሎም፡ መስገደል ሰጊሮም ኣብተን ሰብኣዊ መሰል ዝኽበረለን ዝብሃላ ሃገራት ምስ ኣተዉ፡ “ናይ ጣዕሳ” ዝብል ቅጥዒ ኣዳልዩ፡ ደገፍ ንዝሓቱ ዜጋታት 2% ናይ ኣታዊታቶም ክኸፍሉ ብምግዳድ፡ እቲ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ውትህድርናን ናይ ነጻ ዕዮን ዘብለየሎም ዕድመ ከይኣክል፡ ገንዘቦም ብምኽፋል ጊላነቶም ንኽቕጽልዎ ይገብር። እዚ ዝትግበር ከኣ ኣብዘን መሰል ሰባትን ፍትሕን ዝኽበረለን ሃገራት ከም ብዓል ጀርመን’ዩ።

እዘን ኣዕቆብቲ ሃገራት፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ኤምባሲ ሃገሮም ናይ ድጋፍ ወረቐት ከምጽኡ ክሓታ/ከገድዳ ከለዋ’ምበኣር፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ይትሓጋገዛ ከም ዘለዋ ክቑጸር ይክኣል’ዩ።  ብቐንደን እተን ኤምባሲታት’ውን፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣጓፋት መዝሚዘን፡ ኣብ ካዝና እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ዝኣቱ ገንዘብ ካብ ምእካብ ዝሓልፍ፡ ንህዝቢ ዝውዕል ረብሓ ንምሃብ ዝነጥፋ ኣይኮናን። እዘን ስደተኛታት ብምዕቋብ፡ ህይወት ዘውሕሳ ዘለዋ ሃገራት’ምበኣር፡ ንዓማጺ ዘርብሕ ንህዝቢ ድማ ዘመዝምዝን ኣብ ወጥሪ ዘእቱን ከፋታት ክዓጽዋ እንተ ዝኽእላ፡ ንስደተኛታት ኤርትራ ዓቢ ውዕለት ምኾነ።